ኣብ ሽወደን፡ ጥዕናኻ ምሕላው

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ክልተ ሓካይም፡ ሓደ ናይ ፍረታት ዘንቢል፡ ብእግሮም ዝኸዱ ሰባት፡ ሓደ ዝተዓመተ፡ ሓደ ዝደቀሰን ክልተ ዝተሓቛቘፉን ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ጥዕናኻ ምክንኻን እዩ።

ብዛዕባ ጥዕና እንታይ ምዃኑን ጽቡቕ ምእንቲ ክስምዓካን ጥዑይ ኴንካ ክትቅጽልን ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እንተ ሓሚምካ ግን ሕክምና ምድላይ እንተ ዘየድልየካ ብኸመይ ንርእስኻ ክትኣሊ ከም እትኽእል ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ኣገልግሎት ሕክምና ብኸመይ ከም ዝዓዪ፡ ቅኑዕ ኣገልግሎት ሕክምና ከመይ ገርካ ከም ትረክብን ኣብኡ መን ከም ዝሰርሑን ብዝያዳ ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ዘለካ መሰላትን ግዴታታትን ንዝምልከት እውን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።

ብተወሳኺ ብዛዕባ ንኣካላትካ ዝምልከቱ ሕቶታትን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ ናይ ምውሳን ዘለካ መሰልን እውን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።